

ምሳና፥ ኹኑ እዚ ሓደ መምሃራን ፕሮጀክት ን ሰባት ተሞኮሮ ናይ ጉዕዞኦም ዝገበሩ ምስ ስንክልና ወይ ብዘይ ዝንክልና፥ ብዘይ ኽፍልት ዶሞዝ ዝሕግዙ ዝደልዩ።
ንካልኦት ሰባት ትላለዩ ትደልዩ ድኹም
ኣብ “ምሳና፥ ኹኑ” ማሕበር ንካልኦት ሰባት ትላለይ ትኽእሉ እኹም ኣብ ከተማ በርሊን(Berlin) ዝነብሩ። ሓደ ክልተ ሰባት ብዛዕባ ተሞኮሮ ዘሕሊፉዎ ኣብ ጉዕዘኦም ውን ካልኦት ኖውሕ ዓመታት ኣብ ከተማ በርሊን (Berlin) ዝቕመቱ። ሰባት ምስ ስንክልና ወይ ብዘይ ስንክልና ኣሎዉና። ብሓንሳብ ኾይኖም ን ማሕበር።
መምሃራን ተሞኮሮ ዘሎዎም ዝምስሪቱ
ዋላ ንስኻትኩም መምሃራን ትኾኑ ትኽእሉ እኹም። ነኣኹም ዝሰመማዓኩም ትኽእሉዎ ደስ ዝብለኩም ትምርቲ ትህቡ ትኽእሉ እኹም።
ተሳተፉ
መምሃራን ምስ ተሞኮሮ ኹኑ

ተሳታፊት / ተሰታፋይ መምህር*
ሓድሽ ነገራት ትመሃሪ / ትመሃር ትደልዪ ድኺ / ድኻ። ሓደስቲ ሰባት ትላለዪ ትኽእሉ እኹም። ሓግዘ የድለኩም ድዩ ኣብ ምስታፍ።
ንስኻትኩም ትሳተፉ ትኽእሉ እኹም፥ እንድሕር ካብ ሃገርኩም ዝወጻኩም ስደተኛ ኾይንኩም። ኩላቶም ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም፥ ብዘይ ገደስ እንታይ ዓይነት ወርቀት ዝሓዝኩም። ስድራ ኸማን ቆልዑ ዘሎዎም ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ሕማም ዘሎዎም ሰባት ኸማን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ዋላ ስንክልና ንደቅኹም ወይ ነዓኹም ይሃልወኩም ትሳተፉ ትኽእሉ እኹም። እንድሕር ሽግር ኣለኩም ትሳተፉ ትኽእሉ እኹም፥ ምናልባት ግፍዒታት ኣንጻርኩም ተሞኮሮ ዝገበርኩም ትሳተፉ ትኽእሉ እኹም። እንድሕር ገዛ ደይብልኩም ትሳተፉ ትኽእሉ እኹም።
ሓቢሩና ስለምንታይ ትሳተፉ ትደልዩ ኣብዝኣ ፕሮጀክት ንሕና ኸማን ኣበይ ክንሕግዘኩም ንኽእል ሓቢሩና።
ኣብ ናይ ማሕበርና “ምሳና፥ ኹኑ“
- ድልየት ኣለኩም ሓደስቲ ሰባት ትላለዩ
- ሕቶታት ብዛዕባ ስራሕ፥ ትምርቲ ወይ ኣብ ናጻ ግዘኹም መዛናገዒ ትረኽቡ ትደልዩ ኣብ ከተማ በርሊን(Berlin)
- ወይ ኣብ ጉዳይኩም ሓገዝ ትደልዩ
- ወይ ዕላማ ወይ መደብ እንድሕር ኣለኩም። ግን ከመይ ገርኩም ነቲ ዝደለኩም ትረኽቡ ዘይትፈልቱ ኾይንኩም።
ንምስታፍ ክንዲ እዚ ግዘይ የድለኩም እዩ፥ 2 ክሳብ 3 ሰዓት ኣብ ሶሙን፥ ካብ 5 ወርሒ ክሳብ 9 ወርሒ
ድልየት ኣለኩም ድዩ ኣብ ናትና ፕሮጀክት “ምሳና፥ ኩኑ“ ትሳተፉ። ብ ኢሜይል(Email) ገርኩም ጸሓፉልና፥ seidabei@vdk.de, (030) 4140 7318 oder 0159-0406 9675
ድሕሪ ምሳና ምዝራብኩም ኣብ ዉልቃዊ ለላ ምስ ናትና ፕሮጀክት፥ ንሕና ነዓኹም ዝሰማማዓኩም መምህር ክንደልየልኩም እና፥ ጓል ኣንስተይቲ ትኹን ወይ ተባዕታይ ኣብ ጉዳይኩም ክሕግዘኩም እዩ። ኣባላት ናይ እዝኣ ፕሮጀክት ኣብ ሽግርኩምን ወይ ሕቶታት ይኹን ኣብ ነቲኣ ግዘ ዝሰማማዓኩም ክሳብ ትውዳእ ነዓኻትኩም ክሕግዙ እዮም።

ከም መምሃራን ተሳተፉ – ንዝኾነ ጾታ
ንሰባት ትሕግዙ ትደልዩ ድኹም፥ ዝኾነ ሰብ በይኖም ከይተርፉ። ኮምኡ እንድሕር ደሊኹም “ተሞኮሮ ዝመስረቱ መምሃራን ኹን ወይ ኹኒ”። ከም ብዘይ ሓገዝቲ መምሃራን ስሕት እሎም ይራኸቡ እዮም(1 ግዘ ኣብ ሶሙን) ምእንቲ ምስ ካልኦት መምሃራን ክዛረቡ። ነንሕዶም ይሓጋገዙ እዮም ኣብ ዉልቃዊ ጉዳያት። ነዚ ስራሕ ንዝኾነ ሓሳብ ወይ ድልየት ናይ ሰብ ኣይትዓንቀፉ። ንሓደስቲ ሰባት ትረኽቡ ድልየት ክህልወኩም ኣሎ። ኮምኡ ውን ንፉዕ ሰማዕቲ ትኾኑ ኣሎኩም። ሓገዝቲ ምስ ተሞኮሮ ምስ ስንክልና ወይ ብዘይ ስንክልና ብደሓን ምጹ።
ብሓንሳብ ምስ ናትኩም መምሃራን ን ኣቢነት፥
- ቋንቋ ጀርመን ተጽንዑ ትኽእሉ እኹም
- ዘይተረደኣኩም ሕቶታት ብሓንሳብ ኮይንኩም መልሲ ትረኽቡሉ ትኽእሉ እኹም
- ደስ ዝብለኩም ነገራት ትገብሩ ትኽእሉ እኹም
- ሓበረታ ትእክቡ ትኽእሉ እኹም ን ትምርቲ ወይ ን ስራሕ ወይ ን ገዛ ምድላይ፥ ወይ ሓበረታ ብዛዕባ ጥዕና ጉዳያት ወይ ሕቅምና ትወሃቡ ትእክቡ ትኽእሉ
- እንድሕር ቆጸራ ምስ ቤት ጽሕፈት ትኸዱ
- ከመይ ገርካ ን ስራሕ ኣመልኪትካ ደብዳበ ትጽሕፍ ወይ ኣብ ናይ ዕድመ ለላ ስራሕ ከመይ ገርኩም ትዛረቡዎም
- ንስድራቤት ከመይ ገሮም ሓገዝ ከምዝረኽቡ
- ከመይ ገርኩም ብሓንሳብ ነንሕድኹም ካብ ናትኩም ተሞኮሮ ትላዘቡ። ከም ተወሳኺ ብዛዕባ ተሞኮሮኹም ኣብ ጉዕዙኹም ብ ስንክልና ይኹን ብዘይ ስንክልና ይኹን ብዘይ ገደስ።
ክንደይ ግዘ የድለኩም፥ 3 ክሳብ 4 ሰዓት ኣብ ሶሙን፥ ካብ 5 ወርሒ ክሳብ 9 ወርሒ ግዘ ይወስድ እዩ
ኣብ ናይ ሓገዝቲ “ምሳና፥ ኩኑ“ ማሕበር ተሳተፉ እንድሕር ትደልዩ። ብኢሜይል ገርኩም ጸሓፉልና፥ seidabei@vdk.de, (030) 4140 7318 oder 0159-0406 9675
ድሕሪ ምሳና ምዝራብኩም ኣብ ዉልቃዊ ለላ ምስ ናትና ፕሮጀክት፥ ምስክር ብቕዓት ኣብ ናይ መምሃራን ኽእለት ክንጅምር እና።
ድሕሪኡ ነቲኦም ካልኦት መምሃራን ትላለዩ ትኽእሉ እኹም። ከም ሓገዝቲ እንዳ ሰራሕኩም ብማሕበር ናይ ፕሮጀክት ትምርቲ ንህበኩም እና። ናይ ስራሕኩም ኩሩብ ደገፍ ንህበኩም ምስ ሰርቲፊከይት ብዛዕባ ምስታፍኩም።
ከም ተሳታፊት መምህር ብዙሕ ዕድላት ነኣኽን ይፍጠር እዩ ንካልኦት ሰባት ተቀማጦ ጀርመን ኣብ ናይ ስተደኛ ቦታት ትላለዩ ትኽእሉ እኹም። ነቲኦም ስደተኛ ሰባት ጽቡቅ ገርኩም ትላለዩ እኹም ኣብ ናይ ስደተኛ ሽግር ጉዳዮም ብዙሕ ተሞኮሮ ትምስሪቱ እኹም ውን ብዛዕባኹም ብዙሕ ነገራት ባህሊኹም ትመሃሩ ትኽእሉ እኹም። ኣነ ውን ንባዕለይ ከም ስደተኛ ተሞኮሮ ግረ እየ ብዛዕባ ድልየት ምስ ሰባት ምርካብ ካብ ናተይ ዓዲን ባህልን ድልየት ከምዘሎ ኣብ ሓድሽ ሃገር ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ፈልጥ እየ።
ምስ ሙሉእ ስድራኹም ትሳተፉ ትደልዩ ድኹም።

ንስኻትኩም ምስ ሙሉእ ስድራቤት ትሳተፉ ትኽእሉ እኹም። ኣብ ናይ “ምሳና፥ ኹኑ“ ማሕበር ካልኦት ስድራቤት ትራኸቡን ትላለዩን ትኽእሉ እኹም። ስድራቤት ምስ ስንክልና ዘሎዎም ቆልዑ ውን ብዘይ ስንክልና ዘለዎም ብዘይ ገደስ።
„ምስ ናተይ ሓጋዚት ብሓንሳብ ኾይና ደብዳበ ጽሑፍ ናይ ስራሕ ኣመልኪትና ውን ናይ ስራሕ ዓቢ በዓል ተሳቲፍና። ብሓንሳብ ኾይና ምስትኦም ኣብ በዓል ናይ ስራሕ ተሳተፋ ትካላት ተዛራርብና ሳላ እዚኣ ኣብ ናይ ልምምድ ናይ ስራሕ(Praktikum) ክጅምር እየ። ቡዙሕ ሓግዙኒ እዩ።
ተሰታፍነት መምሃራን - እንታይ ማለት እዩ?
ቀንዲ ዕላማ ኣብ ተሰታፋነት መምሃራን ክትመሃሩ። ተሰታፍነት መምሃራን ብድልየት እዩ ብዘይ ዝኾነ ኽፍሊት ገንዘብ ተሞኮሮ ን ግዘያዊ ዝኾነ ካብ ካልኦት ሰባት ትመሃሩ ትኽእሉ፥ ምሕሊላፍ ተሞኮሮ ካብ ሓደ ተሞኮሮ ዘሎዎ ምስ ሓደ ተሞኮሮ ዝገዶሎ። ነቲ ተሞኮሮ ዝሓዘ መምህር ንብሎ ነቲ ሓድሽ ነገራት ዝመሃር ዝደሊ ተማሃራይ ንብሎ።
መምሃራን ብዘይ ኽፍሊት ክሳተፉ ዝደልዩ። ተማሃራይ ሓገዝ ዘድልዮ ኣብ ፍሊ ዝበለ ኣርእስቲታት ወይ ጉዳይ። ንኣብነት እንድሕር ሕቶ ኣሎዎም ብዛዕባ ህወት ኣብ ሃገረ ጀርመን። ወይ ከመይ ገርኩም ሰርቲፊከይት ናይ ስራሕ ትረኽቡ ናይ ስራሕ ትምርቲ ትወሃቡ ወይ ሓገዝ ዘድለኩም።
ተማሃራን መምሃራን ብሓንሳብ ኾይኖም ካብ ነንሕዶም ክመሃሩ ይኽእሉ። ነዚ ነገር ምእንቲ ክፍጸም ነንሕዶም ክብረትን ኣዚ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ርክብ ናይ እዝኣ ፕሮጀክት “ምሳና፥ ኹኑ“ ማሕበር፥ ኩሉ ግዘ ብዛዕባ ምዕባለ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ እዩ። ኢቲ ተማሃራይ እዩ ነቲ መምህር ዝመሪሕ ብዛዕባ እንታይ ኣርእስቲ ጉዳዩ ሙኻኑ። ንሳ ወይ ንሱ ብሕቶ ገሮም ብዛዕባ እንታይ ትፈልቱ ትደልዩ ትሕቢሩ፥ ክሳብ መዓስ ትመሃሩዎ ትደልዩ ትሕቢሩ። እቲ ተማሃራይ ኮምኡ ገሩ እዩ ዝመሃር ነቲ መምህር እንዳ ሓተተ ወይ መግለጺ ሂቡ ከመይ ገሩ ከምዝ ገብሮ ይሕብሮ። መምሃራን ኣብ ቡዙሕ ነገራት ወይ ጉዳያት ተሞኮሮ ስለ ዘሎዎም ጽቡቅ ሓበረታ ክህቡኹም ይኽእሉ እዮም ብከምዚ ሓገዝ ኩሎም ክኸስቡ እዮም።
ዕላማ ናይዚ ትምርቲ ደገፍ ኣብ መዓልታዊ ውልቃዊ ወይ ኣብ ስራሕኩምን ትምርትን ይኹን ድሕሪ ኩሩብ ግዘ በዓልኹም ትኽእሉዎ። እዚ ናይ ትምርት መደብ ንተመሃሮ ክሕግዝ ብበኖም ክሰርሑ እሉ እዩ ተመስሪቱ። ዝኾነ ትምርት ብማሕበር ፕሮጀክት ትምራሕ እያ። ብትምርት ገርና ምኽሪን ስራሓት ንህበኩም እና። ኣብ ተፈላለየ መደብ ትምርት ብተሳታፍነትን ዝመጹ ሰባት ኣብ ፕሮጀክትና። ብከምዝ መገዲ ዝምምዕ ትምርትን ፍልጠትን ምስ ነንሕድኻ ምሕግጋዝን ይፍጠር ይኸኣል።
ተመሃሮ ምስ መምሃራን 1 ግዘ ኣብ ሶሙን የራኸቡ። ንሶም ባዕሎም ይውስኑ መዓስ ኣበይ ቦታ ክምዝረኻቡ። እቲ ርክብ ካብ 2 ክሳብ 3 ሰዓት እዩ። ነዚ ርክብ ካብ 5 ክሳብ 9 ወርሒ ክኾውን ይኽእል እዩ።
ተሳተፉ ኣብ ማሕበርና ከም መምሃራን ተማሃሮ ኾይንኩም
ብዘይ ዶሞዝ ትሕጊዙ ትደልዩ። ወይ ሓገዝ ትወሃቡ ካብ መምሃራን ትምኒትኩም ድዩ። ምሳና ርክብ ፈጽሙ። ሓቢሩና እንታይ ትገብሩ ትደልዩ እንታይ ሓሳብ ዘለኩም ከመይ ገርኩም ን ማሕበርና ትሕግዙ። ምሳና ተዛረቡ ብዛዕባ ዕድላት ከመይ ገርኩም ኣብ ማሕበርና “ምሳና፥ኹኑ” ትሳተፉ። ተዳልና ኣለና ንሕና ክንላልየኩም!
በዚኣ seidabei@vdk.de ኢሜይል ጸሓፉልና ወይ በዚ ስልኪ 01590 4069 675 ውን በዚኣ ስልኪ (030) 4140 7318 ደውሉልና። ክንድውለልኩም እና ምእንቲ ነኣኹም ክንላልየኩም። እንድሕር ኣድላዪ ኮይኑ ሓደ ቶርጎማይ ወይ ሓደ ሓላዊ ቆልዑ ንጽውዓልኩም ንኽእል እና።
ብዛዕባ ናትና ፕሮጀክት
ምሳና፥ ኩን – ማሕበር መምሃራን ናይ ፕሮጀክት ናትና ተሞኮሮ ናይ ጉዕዞ ዘሎዎም ብስንክልና ይኩን ብዘይ ስንክልና ይኩን ንኻልኦት ሰባት ዝሕግዙ ዝደልዩ። ኣብ ከተማ በርሊን ኖውሕ ዝገበሩ መምሃራን ምስ ስንክልና ይኹን ወይ በዘይ ስንክልና ተሞኮሮ ዝገበሩ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ወይ ከም ስደተኛ ተሞክሮም ዘሎዉ።
ስደተኛ ሰባት ምስ ስንክልና ፍሊ ዝበሉ ሰባት እዮም፥ ከም ካልኦት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ህወት ብዙሕ ግዘ ማዕረ ሓገዝ ኣይወሃቡን። ዕላማ ናይ እዝ ኣ ፕሮጀክት ብመሰረታዊ ብናይ ዩን(UN)- ስንክልና ዋዕላ ኣኸባ ብዛዕባ መሰል ሰብ፥ ነዚኦም ሰባት ምስ ቤተሰቦም ብዘይገደስ ማዕረ ዕድላት ክንፈጠረሎም ብሓገዝ ንፍትን። ነዚ ምእንቲ ክፍጸም ን መምሃራን ተመሃሮን 1 ብ 1 ማሕበር ፍልጠት ሓድነትን ብሓንሳብ ምዕባይን ክንምስሪተልኩም ንደሊ።
እዝኣ ፕሮጀክት “ምሳና፥ ኹኑ“ ናይ ዓለማዊ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ደገፍ ዘይብላ ናጻ ዝኾነት ማሕበር እያ። ናትና ዕላማ ደገፍ ናይ ርክብ ምስ ማሕበራዊ ሂወት። እዚ ማለት ንሕና ን ማዕሪነት ናይ ባህሊን፥ ስራሕን ውን ፖሊቲካዊ ደገፍ ንኹላቶም ክድግፉ ኣብ ማሕበራዊ ህወት ማዕረ ክሳተፉ። ብሰንኪ እዚ ንሕና ኣብ “ምሳና፥ ኹኑ“ ከም ማሕበር ንቃወም ኣንጻር ዝኾነ ባህላዊ፥ ሃይማኖት፥ ዘግነት፥ ማዕሪነት፥ ስንክልና፥ ፖሊቲካዊ ሓሳብ ኽብረት ዘይብሉ።
ነዚ ፕሮጀክት ዝድግፍ ትካል ኢንተግራ (Integra gGmbH). ኢንተግራ (Integra gGmbH) ሓደ ብ መጽሓፍ ሕጊ(SGB IX) ተቀበለት ትካል እያ። ካብ ተመሰረት ብ 1981 ኢዝኣ ትካል ንሓገዝ ተጸገሙ ሰባት ስንክልና ዘሎዎም ኣብ ስራሕ ሂወት ክኣትዉ እሎም ተበጊሳ። እዝኣ ፕሮጀክት ብሓገዝ ናይ መሰል ሰባት ማሕበር ደገፍ VdK Berlin-Brandenburg. ንሕና ኣባል ናይ ማሕበር Kinderpatenschaften እና።